Godkänn kakor
Vi använder oss av kakor (cookies) för att vår webbplats ska fungera bra för dig. De används även för webbanalys i syfte att hjälpa oss att förbättra våra tjänster.
Så använder vi cookies
10 dec 2025 2 kommentarer
ዘሕጉስ ብስራት
ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናንን ምእመናትን።
ሰናይ ቅንያት ጾመ ነብያት ኪገብረልኩም እንዳተመነና፡ ብምቕጻል ነዚ ዘሕጉስ ብስራት ካብ ሃገረ ስብከት ስካንዲናቭያን ከነበስረኩም ዝያዳ ሓጎስ ይስምዓና።
ከም ዝፍለጥ ቤተ ክርስትያንና ምእመናና ኪመሃሩን መንፈሳዊ ፍልጠት ኪቐስሙን ከይተሓለለት ክትሰርሕ ጸኒሓን ኣላን። መቐጸልታ ናይዚ ድማ ንህጻናት እትኸውን መጽሓፍ ተሓቲማ ተቐሪባትልኩም ከም ዘላ ነበስር። እታ መጽሓፍ ንክሳዕ 6 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ተባሂላ ዝተዳለወት ኮይና፡ ንዕድሜኦም ዝምጥን ትምህርትን ንጥፈታትን ዝሓዘት እያ።
ስለዚ ኩልኹም ወለዲ ደቅኹም ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ሓላፍነት ክትዋጽኡን ምስ ቤተ ክርስትያን ሓቢርኩም ድማ፡ ንደቅኹም ዘድሊ ኩሉ ኪትገብሩ እንዳ ኣዘኻኸርና። ነታ መጽሓፍ ኣኣብ ቤተ ክርስትያንኩምን ማሕበራትኩምን መታን ኪንሰደልኩም ርኸቡና።
ን ኣሰራርሓ መታን ኪጥዕም ከካብ ቤተ ክርስትያንኩም ሓደ ሰብ ይርከበና። ቁ/ተሌፎን፦0769175259. ወይ ድማ mexhafhxanat@gmail.com ርኸቡና
Vi använder oss av kakor (cookies) för att vår webbplats ska fungera bra för dig. De används även för webbanalys i syfte att hjälpa oss att förbättra våra tjänster.
Så använder vi cookies
Kommentarer
Habtamu Kefali 10 dec 2025
ክብሪ ን ኣምላኽ ጽቡቕ ስራሕ።
Yohannes Tesfatsion Habiemariam 10 dec 2025
ብጣዕሚ ዘሐጉስ ዜና እዩ፡ ሓደ ካብቲ ኣሰካፊ ዝበሃል ናይ ደቅና ምስ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ዘለዎም ስሩዕ መንፈሳዊ ሕይወት እትፈትሕ መጽሓፍ ክትከውን ዘሎኒ ተስፋ ምሉእዩ፡ ከምቲ ዝተባህለ ከኣ ናይ ወለዲ ተራ ዕዙዝ ክኸውን ተስፋ ይገብር።
ነዚ ክዉን ንክኸውን ዝጸዓኩም ክብረት ይሃበልና ክብል ይፈቱ።
ተባረኹ!