Dela nyhet
ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል
9 nov 2024 5 kommentarer
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!
ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናትን ምእመናንን። እምበኣር እቲ ዓመት መጸ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ዓመታዊ በዓልና፡ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ንዕለት 15-16 ሕዳር ክውዕል እዩ። ስለዚ ኩልኹም ምእመናንን ምእመናትን በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ተረኺብኩም ተኻፈልቲ በረኸት ክትኮኑ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል ብኽብሪ ትዕድም።
ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኹድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ ዝበሎ። ንኻልኦት ዘይፈለጡ ብምክፋል መንፈሳዊ ሓጎስ ከነበስሮም ሓደራ ንብል።
እቶም ብ ባቡር ኮነ ብ ኣውቶቡስ እትመጹ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ቁጽሪ 120 ቁጽሪ 4 ናብ Bresand ዝኸዳ ተሳፊርኩም ክትመጹ ትኽእሉ።
ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዘድልየኩም ፡
ድያቆን ማቴዎስ 0769175259
ኣቶ ሃይለ ኣለም 0762865662 ብምድዋል ሓበሬታ ክትሓቱ ትኽእሉ።
ኣምላኽ በዓልና ናይ ሓጎስን ፍቕርን ክገብረልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ብደሓን ምጹ!
Kommentarer
Haile Alem Meles 9 nov 2024
ኣሜን(3) በረከት ቅ፡ሚካኤል ምስ ኩላትና ይኩን ድያቆን ሓወና።
Ruta Lemlem Berhane 10 nov 2024
ኣሜን ኣሜን ኣሜን በረከት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትና ይኩን ድያቆን።
Fr. Afewerki Tessfa 10 nov 2024
ኣሜን ዲያቆን ሓወይ ብሰላም የራኽበና። በረከት ቅዱስ ሚካኤል ካኣ ኣይፈለየና
Fr. Ghebreziabhier Ghebru 10 nov 2024
አሜን ናይ ቅዱስ ሚካኤል በረከት የካፍለና💒💒💒
Hiwet Tesfamikael 11 nov 2024
Amen nay kudus Mikael bereket yekaflena